I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I
I

ጥቕስታት

“ብናተይ ርእይቶ ነኣብነት: ገዛእቲ ብመንገዲ ዕጫ ስልጣኖም ከምዝሕዙ ምስዝግበር: ምርጫ ውን ግዴታዊ ምስዝኸውን: እዚ ከም ደሞክራስያዊ መንገዲ ክርአ ይግባእ ይብል።" ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶተለስ (384-322 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ)። ካብ "ፖሊቲክ" ኣብ ትብል መጽሓፍ 4።

"ብዕጫ ምምራጽ (le suffrage par le sort) ምስ ደሞክራስያዊ ባህሪ ይሳነ። ብምርጫ ምምራጽ ድማ ምስ ኣሪስቶክራስያዊ (ምልከ-ልዑላዊ) ባህሪ ይሳነ።" (ሞንተስክዮ: de l’esprit des lois 1748)

"ኣብ ቁኑዕ ወይ ሓቀኛ ዝኾነ ደሞክራሲ ስልጣን {….} ረብሓ ዘይኮነስ: ብትኽክል መንገዲ ንሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ክተሰክሞ ዘይግብኣካ ጸቕታዊ ሰኸም እዩ። እቲ ሕጊ ጥራይ እዩ ነቲ ዕጫ ዝበጽሖ ሰብ ከሰክሞ ዝኽእል።” (ሩሶ: Vom Gesellschaftsvertrag oder Prinzipien des Staatsrechts, 1762)

"ደሞክራሲታትና ነቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ዜጋታቶም ዘይኮነ ዝከላኸሉ ወይ ዝሓልዩ: ድልየትን ረብሓን ናይቲ ፍሉይ ደርቢ ሕብረተሰብ እዮም ዝሕልዉ። በዚ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣቴን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ዜጋታት ኣኼባ ንኽካየድ እሞ እቶም ኣባላት ብዕጫ ንኽምረጹ ንሓትት።” (ካሮላ ራኬተ: extinction rebellion / ጋዜጣ Tagesanzeiger 2.11.19)

“መስርሕ ናይ ምምራጽ ብዕጫ: ምክያድ (ምብርራይ) ከምዝክኣል ይገብር። ካብ ስነ-ሓሳብ ነጻ ዝኾነን: ምስ ገንዘብ ዘይተተሓሓዘን: ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት ምምራጽ ናይ ወኪላት እዩ። ኣንጻር ብልሽውናን ፍሉይ ደርቢ ሕብረተሰብን እዩ።” (ላውራ ሁዎንከር: AL Zürich, መጋቢት 2019)

ብንጹር ዘረባውን ከምዚ ዝስዕብ ክብሃል ይኽእል:- ዕጫ ምስ ዝካየድ ድኻታት ይገዝኡ/ይመርሑ: ምርጫ ምስዝካየድ ሃብታማት ይገዝኡ/ይመርሑ። እዚ ናይ ስታቲስቲክስ (ጸብጻብ) ጉዳይ እዩ። ሃብታማት እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ዝኾኑሉ እዋን ምስዝህሉ: ዝያዳ ሃብታማት ዕጫ ክበጽሖም እዩ። ፍርቂ ካብዚኦም ድማ ኣንስቲ ከምዝኾና እዩ ዝሕሰብ።

ታሪኽ ናይ ስራዓተ ዕጫ

ስርዓተ ዕጫ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀስ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ውሳኔ ንምውሳድ: ከም ኣብነት ኣብ ምዕዳል መሬት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ እዩ። ብግሪኻውያንን ብሮማውያንን (ዋላኳ ብብዝሒ ከም ግሪኻውያን እንተዘይኮነ): ኣብ ማእከላይ ዘመን ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማዊያን-ሃገራትን ዝተፈላለየ ቦታታትን ክሳብ ፍርቂ 19 ክፍለ ዘመን እዚ ስርዓተ ዕጫ ንፖለቲካዊ ውሳኔታትን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይዝውተር ኔሩ እዩ። ምፍልላይ ወይ ምፍንጫል ናይቲ ሕብረተሰብ ምውጋድን ክብሪ ናይ ሰብ ምሕላውን እቶም ኣገደስቲ ምኽንያታት ዝነበሩ እዮም። ብሓፈሽኡ ግን ናይ ደሞክራስን ናይ ፍትሕን/ቅንዕናን ጉዳይ እዩ ኔሩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ንምርጫታት ዘቃውም ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መን ኣሎ ብደሞክራሲ መንገዲ ዘይተመረጸ፧ ዶናልድ ትራምፕ; ጃይር ቦልሳናሮ; ቦሪስ ጆንሶን። እቲ መዳርን እቲ ገንዘብ ዘለዎን (ጁቡኡ ሰልዲ ዝመልአ) ይዕወት። ንመን ከምትመርጽ ምሽጋር ዘይኮነስ በቲ ዝተመረጸ ምሽጋር ማለት እዩ። ግን እቲ ህዝቢ መሪጹ ስለ ዝኾነ እቲ ዝመረጾ ክኽበር ወይ ክትግበር ኣለዎ። ወይስ ኣይፋል፧ 
ይኹን እምበር: እቲ ህዝቢ ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን ናይ ኣሪስቶክራት ዝነበረን ወይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘሎ መሪቶክራቲ ስርዓትን: በቶም ተዋዳደርቶም ዘስልፉ ፖለቲውያን ውዱባት ወይ ናይ ረብሓ ጉጅለታት ዝምራሕን ዝትግበርን እዩ። ድሕርዚ እቲ ምርጫ ንኽድገምን እቲ ስልጣንን ምንጪ ናይ እቶትን ንኽጸንሕን ኩሉ ዘድሊ ይግበር። ብዘይ ብኡ እቲ ተሳታፍነት ኣብ ምርጫ ንርእሱ ትሑት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ውሑዳት እዮም ከድምጹ ዝኸዱ። እዚ ብደሞክራሲ: ብምድማጽን ብናይ ፖለቲካ ውዱባትን ብዘይምዕጋብ ዝመጸ ሳዕቤን እዩ።

እቲ ዓሚቚ ትርጉም ናይ ደሞክራሲ ምድማጽ ወይ መርጫ ምክያድ ድዩ፧ ኣይፋል። ምርጫ ንደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ዘማዕብሎ ይዓግቶ እዩ። እሞ ምርጫ እንተዘይተኻይዱ እንታይ ክግባር፧ ዕጫ ምክያድ። ዕጫ ዕዉት ዝኾነ ናይ ጥንቲ ኣገባብ ናይ ሓቀኛ ደሞክራሲ እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ክቡር ዝኾነ ናይ ምርጫ ውድድር: ዘነውር ተግባራትን ኣድካሚ ዝኾነ ምድላይ ናይ ተዋዳደርትን ክውገድ ይኽእል። ኩሉ ሰብ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፍን እጃሙ ከበርክትን ዕድል ክህልዎ ይግባእ። ሎሚ ኩሉ ነገር ካብቲ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝነበረ ግዜ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝኾነ: ናይ ምርጫን ናይ ዕጫን ኣገባብ ጸንቢርካ ናይ ምዝውታር ተኽእሎ ኣሎ።